መደብ ውህደት

BON (ቦን)

ውህደት መደብ BON’s ቛንቛ ፈረንሳ ነቶም ኣብ ብሩሰልስ ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት።

ኣብ ብራስልስ ሕጂ ዲኻ መጺእካ? ኵሉ ነገር ንዓኻ ሓድሽ ድዩ? መገድኻ ብቕልጡፍን ብቐሊል መገዲን ኽትረኽቦ ትደሊዶ? ናይ ቦንስ ናይ ናጻ ውህደት መደብ ንዓኻ ዝኾነካ ነገር ኢዩ!

መዓስን ብኸመይን?

ኣብቲ ዚጥዕመካ እዋን ኣብቲ መደብ ተኻፈል። ቀትሪ ወይ ምሸት፣ ብጽዑቕ ፍጥነት ወይ ብዘይተሃዋክ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ባህላዊ ኽፍሊ ወይ ኣብ ኢንተርነት፡ ነቲ መደብ ብኸመይ ክትስዕቦ ኸም እትደሊ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ኮምፕዩተር የብልካን ይኸውን? ኣብ ከምዚ ጉዳይ እንተድኣ ኾይኑ፣ ብናጻ ኮምፕዩተር ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

"ምትሕብባርን ጸገም ምፍታሕን ንዅሎም እቶም ኣብ ቦን ዝሰርሑ ኣድላዪ ረቛሒታት ኢዩ። እቲ ናይ ውህደት መደብ ነቲ እተፈላለየ መሰረታዊ ሕግታት ንኽፈልጦን ኣብ ሕብረተሰብ በልጅያ ብቐሊሉ መገድይ ንኽረክብን ኣኽኣለኒ።
በህሩዝ - ኢተርቢክ

እንታይ?

ሓደ ኣባል ሰራሕተኛ ብውልቅን ብቛንቋኻን ኺቕበለካ እዩ። ምስ ድሌታትካን ዘድልየካ ነገራትን ዚሰማማዕ መደብ ውህደት ንኽትረክብ ኪሕግዙኻ እዮም።

ክልተ ዓይነት ትምህርቲ ኽትወስድ ኢኻ፥

ማሕበራዊ ምእዘና፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብሩሰልስን በልጅዩምን ዘሎ ህይወት፥ ማለት ብዛዕባ ዕዳጋ ሸቃሎ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ መጓዓዝያ፡ ትምህርቲ ቘልዑ፡ ልምድታት በልጅዩም፡ መሰላትካን ግዴታታትካን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኮርስ ብ20 ቛንቋታት እዩ ዚርከብ።

ቋንቋ ዳች፣ ከም ስራሕ ምርካብ ዝኣመሰለ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎካ ኣጋጣሚታት ንምምሕያሽ እዩ።

ወትሩ ምስክር ወረቐት ተኣከብቲ ኽትቅበል ኢኻ

ዝኾነ ሕቶታት እንተ ሃልዩካ፣ ምስ ሓደ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪሕግዘካ ዚኽእል ውልቃዊ ሓጋዚ መደብ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ፦

  • ግቡእ መደብ ስልጠና ወይ ስራሕ ኣብ ምርካብ፣
  • ንደቅኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምምዝጋብ፣
  • ኣብ እዋን ናይ ዕረፍቲ ግዜኻ ንጥፈታት ኣብ ምድላይ፣
  • ሕቶታት ብዛዕባ ኩነታት መንበሪን ዜግነት በልጅዩም ምርካብን

ዲፕሎማኻ ኣብ ምርግጋጽ ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና።

ናይ ውህደት መደብካ ምስ ወዳእካ ናይ ውህደት ወረቐት ምስክር ክትረክብ ኢኻ።

ሳላ BON፣ ውላደይ ነዊሕ ከይጸንሐ ጽቡቕ ቤት ትምህርቲ ረኺቡ፣ ዳች ተመሂረ፣ ዲግሪይ ተቐባልነት ረኺቡን ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምርካብ ድማ ከመልክት ከኣልኩ። በቲ ኻብ ሓጋዚየይን ካብ BON ዝረኸብክዎ ሓገዝ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ።
Diana - Schaerbeek

ተወሳኺ

ብዛዕባ ስራሕ፣ ግዜ መዘናግዒ፣ ስልጠናን፣ ማሕበራዊ መራኸቢን...ዝኣመሰለ ጕዳያት ብናጻ ኣብ እተፈላለየ ዓዉደ መጽናዕትታት ኽትካፈል ትኽእል ኢኻ። ብኣና ኣቢልካ ምስቶም ኣብ ብራስልስ ዚነብሩ ሰባትን ኣብቲ ኸተማ ምስ ዚርከባ ውድባትን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ማሕበራዊ መራኸቢ ኸተማዕብል ክንሕግዘካ ኢና።

"ሳላ ቦን ኣብ ካልእ እዋን ፈጺመ ክርኽቦም ዘይምኸኣልኩ ብዙሓት ሰባት ተራኺበ ኢየ። ብዛዕባ ብራስልስ ዜደንቕ ነገራት ረኸብና ኢና ከምኡ’ዉን ዲግሪይ ተቐባልነት ክህልዎ ኣኽኢለ እየ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ሸቶታተይ ክወቅዕ ይኽእል እየ።
Maria - Woluwe-Saint-Pierre

ወይ ኣብ ሓደ ኻብተን ኣብያተ-ጽሕፈትና፡

  • ቦን ብሩሰልስ
  • ቦን ሸርቢክ
  • ቦን ኣንደርለችት

ክንራኸበካ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ!

"ኣብ ብራስልልስ ምስ መጻእኩ ነቲ ቛንቋ ኣይዛረብን እየ ነይረ፣ ብዛዕባ መጻእየይ ድማ ርግጸኛ ኣይነበርኩን ይሻቀል ድማ ነይረ። ቦን ንሕቶታተይ መሊስለይ ከምኡ’ዉን ድሕንነት ከም ዚስምዓኒ ከመኡ’ዉን ከም ዝርዳኣን ገበረ። እዚ ስምዒት እዚ መተካእታ ዘይብሉ እዩ!
Kamelia - Molenbeek-Saint-Jean

Skip to content