መደብ ውህደት

ናብቲ ኣብ ብራስልስ ንዚርከቡ ሓደስቲ ሰባት እተዳለወ መደብ ውህደት ዚግበረሉ ወብ ሳይት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

ኣብ ሓዳስ ሃገር ምቕማጥ ብዛዕባ ከም ትምህርቲ ቛንቋ፣ ከም ዜጋ መጠን ዘሎካ መሰላትን ግዴታታትን፣ መንበሪ፣ ዕድላት ስራሕን/ ስልጠናን ከምኡውን ብዛዕባ ኽንክን ጥዕና ብዙሕ ሕቶታት ከለዓል ይኽእል እዩ።

ኣብ መዝገብ ወጻእተኛታት ምምሕዳር ከተማ ብራስልስ ብዝተመዝገብካ መጠን፣ ብናጻ ናይ ውህደት መደብ ኣብ BAPA ወይ BON ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቋንቋ ወይ በቲ እትርድኦ ቛንቋ ኽትስዕብ ትኽእል ኢኻ።

መብዛሕትኦም BAPA ከምኡውን BON ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ወይ ኣሰልጠንቲ "ካብ ተመክሮ ዝመጹ ክኢላታት" ኢዮም። እዚ ማለት ንሳቶም ንባዕሎም እዉን ኣብ ሓደ እዋን መደብ ውህደት ስዒቦም ማለት እዩ። ንኻልኦት ሓደስቲ ንምምራሕን ንምሕጋዝን ካብ ተመክሮኦም እዮም ዚምርኰሱ። ከመይ ከም ዚስምዓካ ምሉእ ብምሉእ ይርድእዎ እዮም። ምስ ዝዀነ ይኹን ዘሎካ ሕቶታት ናብኦም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ናይ ውህደት መደብ ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል፥

መንበሪ፣ ኣታዊ፣ ክንክን፣ ጥዕናን ካልእ ዘድሊ ነገራትን ዝግምገመሉ ባህ ዘብል ጕዕዞ፣

ብዛዕባ ዜግነትን ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ዚወሃብ ስልጠና፣

ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ትምህርቲ ቛንቋ፥ ኣብ ቦን ትምህርቲ ዳች ወይ ኣብ ባፓ ትምህርቲ ቛንቛ ፈረንሳ።

ከከም እቲ ኣዳላዊ፣ ኣብ ካልእ ንጥፈታት እውን ብፍታው ክትካፈል ትኽእል ኢኻ (ዓዉደ መጽናዕትታ፣ ፍሉይ ስልጠና፣ ብወለንታ ዚግበር ዕዮ፣ ወዘተ)።

ንኽትምዝገብ 5 ብቑዕ ምኽንያታት፥

ኣብ ሕብረተ ሰብ በልጅዩምን ብራስልስን መገድኻ ንምርካብ ዝቐለለ ግበር፣ ምስ ሓደስቲ ሰባት ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚ ይሃሉኻ፣ ኣብ ቤትካ ኸም ዘሎኻ ኾይኑ ኺስምዓካ ጸዓር።

ኣብ በልጅዩም ክትነብርን ክትሰርሕን እንተ ደሊኻ ቛንቛ ፈረንሳ ወይ ዳች ተምሃር ።

ባፓ ከምኡውን ቦን – ብኢንተርነት ክትረኽቦ እትኽእል ኮርሳት ከምኡውን ብሕታዊ ደገፍ ይህብ።

እቲ መደብ ብዕዉት መገዲ ምስ ተዛዘመ ምስክር ወረቐት ውህደት ርኸብ። እዚ ኸኣ ዜግነት በልጅዩም ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ዲፕሎማኻ ንኸም መንበሪ ቦታ፣ ኣሰራርሓ ዕቝባ ወይ በልጅዩም ክትከውን እንተ ደሊኻ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ሕጋዊ ስርዓታት ኣፍልጦ ንምሃብ ሓገዝ ርኸብ።

Skip to content