Ga naar de inhoud

ካብ ስራሕ ምቁራጽ

ኣብ ግዴታዊ መደብ ውህደት ካብ ምክፋል ንግዜኡ ናይ ምቁራጽ ፍቃድ ክወሃበካ ይከኣል እዩ። መደብ ውህደትካ ንኽትውድእ ዜድልየካ ግዜ ኺነውሕ ይኽእል እዩ እንድሕር ንኣመሓዳሪ ከተማካ ናይ ምቁራጽ መርትዖ - BON ወይ እቲን BAPA ኣቢልካ፣ ብኣካል ናብ ኣብያተ-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ብምኻድ ወይ ብኢመይል እንተ ኣቕሪብካሉ። እዚ ዚስዕብ ጕዳያት ይዓዪ እዩ፥

እዋን ናይ ምድንጓይ፥ 6 ወርሒ፣ ክናዋሕ እውን ይኽእል።

መርትዖ፥

  • ናይ ውህደት መደብ ሰሌዳ ግዜ
  • ናይ ስራሕ ወይ ስልጠና ሰዓታት፥

ብዛዕባ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዚገልጽ መዝገብ ኣብዚ ኸተውርድ ትኽእል ኢኻ። ብኣስራሒኻ ኺዛዘምን ኪፍርምን ኣለዎ።

እዋን ናይ ምድንጓይ፥ከምቲ ኣብ ወረቐት ምስክር ሕክምና እተገልጸ ንውሓት ሕማም፣ እንተወሓደ ብድምር 1 ወርሒ፣ ምናልባት እውን ኪነውሕ ይኽእል እዩ።

መርትዖ፥ ምስክር ወረቐት ሕክምና። ናይ ምስክር ወረቐት ንድፊ ኣብዚ ኸተራግፍ ትኽእል ኢኻ። ግዴታ ብሓኪምካ ክምላእን ክፍረምን ኣለዎ።

ንሕክምና ምኽንያት ናይ ምቁራጽ ሕቶ ብኣካል ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማኻ ወይ ከኣ ናብ ምምሕዳር ከተማ ብኢ-መይል እተላእከ።።

እዋን ናይ ምድንጓይ፥ 6 ወርሒ፣ ክናዋሕ ይኽእል እዩ።

መርትዖ፥ ምስክር ወረቐት ሕክምና። ናይ ምስክር ወረቐት ንድፊ ኣብዚ ኸተራግፍ ትኽእል ኢኻ። ግዴታ ብሓኪምካ ክምላእን ክፍረምን ኣለዎ።

ብመሰረት ናይ ሕክምና ወረቐት ምስክር ንንውሕ ዝበለ ግዜ ጠጠው ንምባል ዝቐረበ ሕቶ ብኣካል ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማኻ ወይ ናብ ምምሕዳር ከተማ ብኢ-መይል ክቐርብ ከም ዘለዎ ኣስተብህል።

እዋን ናይ ምድንጓይ፥ ድሕሪ ሕርሲ 3 ወርሒ፣ እንድሕር ጡብ ተጥቡ እንተ ኣሊኺ ናብ 9 ወርሒ ክናዋሕ ይኽእል እዩ።

መርትዖ፥:

  • እንድሕር ሕርሲ ኣብ በልጅዩም እንተኻይዱ ኾይኑ፥ ንኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ መርትዖ ኸተቕርብ ኣየድልየክን እዩ። ናይ ምቁራጽ ፍቓድ ክትሓትት ከለኻ፣ እቲ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ሃገራዊ መዝገብ ኪምርምሮ እዩ።
  • እንድሕር ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተ ተወሊዱ፡ ምስክር ወረቐት ልደት።
  • እንድሕር ጡብ ተጥቡ እንተኾይና፥ ምስክር ወረቐት ሕክምና። ናይ ምስክር ወረቐት ንድፊ ኣብዚ ኸተራግፍ ትኽእል ኢኻ። ግዴታ ብሓኪምካ ክምላእን ክፍረምን ኣለዎ።

ብመሰረት ናይ ሕክምና ወረቐት ምስክር ንንውሕ ዝበለ ግዜ ጠጠው ንምባል ዝቐረበ ሕቶ ብኣካል ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማኻ ወይ ናብ ምምሕዳር ከተማ ብኢ-መይል ክቐርብ ከም ዘለዎ ኣስተብህል።

እዋን ናይ ምድንጓይ፥ ድሕሪ ሞት 2 ወርሒ፣ ካብኡ ኺነውሕ ኣይክእልን እዩ።

መርትዖ፥:

  • ምናልባት እቲ ሞት ኣብ በልጅዩም እንተ ኾይኑ፥ ንኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ መርትዖ ኸተቕርብ ኣየድልየካን እዩ። ዉንዘፋ ክትሓትት ከለኻ፣ እቲ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ሃገራዊ መዝገብ ኪምርምሮ እዩ።
  • እንድሕር ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተ ሞይቱ፥ ምስክር ወረቐት ሞት።

እዋን ናይ ምድንጓይ፥ ድምር ንውሓት እቲ መደብ ኣብቲ ናይቲ ኣመሓዳሪ ምስክር ወረቐት ክሰፍሕ ከም ዝኽእል ዝሕብር ኢዩ።

መርትዖ፥ ካብ እተፈቕደ ኣመሓዳሪ እተዋህበ ምስክር ወረቐት

እዋን ናይ ምድንጓይ፥ እንተበዝሐ 6 ወርሒ፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ን6 ወርሒ ኺነውሕ ይኽእል እዩ።

መርትዖ፥ ካብ እተፈቕደ ኣመሓዳሪ (BON/BAPA) እተዋህበ ምስክር ወረቐት።

እዋን ናይ ምድንጓይ፥ 6 ወርሒ፣ ንሓደ ኣጋጣሚ 6 ወርሒ ኺነውሕ ይኽእል እዩ።

መርትዖ፥ እንተወሓደ ኣብ ሰለስተ ኽንክን ቈልዑ ቦታታት ትጽበ ኸም ዘለኻ ዘርኢ መርትዖ።